amh
stringlengths 4
155
| tig
stringlengths 7
186
|
---|---|
ጴጥሮስና አብረውት የነበሩት ሰዎች ሁሉን ነገር ትተው ኢየሱስን ተከተሉት።
|
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጴጥሮስን ብጾቱን፡ ንዅሉ ሓዲጎም ንየሱስ ሰዓብዎ ይብል።
|
ይሁንና ይሖዋ አስደናቂ ተስፋ ሰጥቶናል።
|
ይኹን እምበር፡ የሆዋ ዜደንቕ ተስፋ ሂቡና ኣሎ።
|
ጳውሎስ ይበልጥ አስፈላጊ በሆኑት ነገሮች ላይ ትኩረት ያደረገ ከመሆኑም በላይ ወደ ሶርያ፣ ትንሿ እስያ፣ መቄዶንያና ይሁዳ ብዙ ጊዜ በመሄድ አምላክን በትጋት አገልግሏል።
|
ጳውሎስ፡ ኣብቲ ዚሓይሽ ኣተኲሩ ነበረ፣ ካብን ናብን ሶርያን ንእሽቶ እስያን መቄዶንያን ይሁዳን እናተጓዕዘ ኸኣ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ኣበርቲዑ ይዓዪ ነበረ።
|
ይህ ደግሞ ይበልጥ እሱን እየመሰልን እንድንሄድ ያነሳሳናል።
|
እዚ ድማ ንዕኡ ብዝያዳ ምእንቲ ኽንመስሎ፡ ንልብና ኼለዓዕሎ ይግባእ።
|
እነዚህ ቅቡዓን እንደ ማንኛውም ሰው መንፈሳዊ ትምህርት ማግኘት አለባቸው።
|
እዞም ቅቡኣት እዚኦም ከም ካልኦት ክርስትያናት መንፈሳዊ ትምህርቲ ዜድልዮም እኳ እንተ ዀነ፡ ንቕብኣቶም ዜረጋግጸሎም ግና ኣየድልዮምን እዩ።
|
የጠየቅነውን ሁሉ ወዲያውኑ የሚያደርግልን ከሆነ በመካከላችን ያለው ግንኙነት ትክክለኛውን አካሄድ የጠበቀ አይሆንም።
|
ዝሓተትናዮ ዘበለ ብኡብኡ ዜማልኣልና እንተ ዀይኑ ግና፡ እቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ፡ ግቡእ መልክዕ ኣይህልዎን እዩ።
|
ዳዊት ይህን የጻፈው እሱ በታመመበትና ሁኔታዎችን መቆጣጠር ባልቻለበት ወቅት አቤሴሎም ዙፋኑን ለመቀማት የተነሳበትን ጊዜ በማሰብ ሊሆን ይችላል።
|
ዳዊት ነዘን ቃላት እዚአን ዝጸሓፈን፡ ኣብቲ ኣቤሴሎም ንዝፋኑ ኺምንዝዖ ዝፈተነሉ እሞ ሓሚሙ ብምንባሩ ነቲ ዅነታት ንምቍጽጻሩ ኣጸጊምዎ ኣብ ዝነበረ እዋን ኪኸውን ይኽእል እዩ።
|
በዚህ ተስፋ ስላልረኩ አይደለም።
|
በቲ ተስፋኦም ዘይዓገቡ ብምዃኖም ኣይኰነን።
|
በመጀመሪያው መቶ ዘመን የነበሩ በርካታ ክርስቲያኖች እንዲህ ያለ መንፈሳዊ ማበረታቻ አግኝተዋል።
|
ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሓያሎ ክርስትያናት፡ ከምኡ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ምትብባዕ ረኺቦም እዮም።
|
ኢየሱስ የሃይማኖት መሪዎቹ ጥያቄ በሚያነሱበት ጊዜ መልስ ይሰጥ የነበረው የራሱን ጥበብ ወይም ተሞክሮ በመጠቀም አይደለም።
|
ሃይማኖታዊ ምጽራር ኬጋጥሞ ኸሎ፡ ኣብቲ ብዙሕ ጥበቡ ወይ ኣብቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ተመክሮኡ ኣይተወከለን።
|
ይህ ሲባል ግን መረጃዎችን መሰብሰብና ደንቦችን ማጥናት ማለት ብቻ አይደለም።
|
እዚ ኸኣ ሓቅታትን ሕግታትን ምፍላጥ የጠቓልል እዩ።
|
ይሖዋ ለእስራኤላውያን አሥርቱን ትእዛዛት ሲሰጥ፣ ከእሱ በቀር ሌሎች አማልክትን እንዳያመልኩና ከማንኛውም ዓይነት የጣዖት አምልኮ እንዲርቁ አዟቸው ነበር።
|
የሆዋ ኣብቲ ዓሰርተ ትእዛዛት፡ ህዝቡ ብዘይካኡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸየምልኹ፡ ዝዀነ ይኹን ኣምልኾ ጣኦት እውን ከይገብሩ ኣነጺሩ ገሊጹ እዩ።
|
በመሆኑም የአምላክ አገልጋዮች እንደመሆናችን መጠን ለእኛ የሚመቸንንና የምንወደውን ነገር ከመልበስ ባለፈ ልናስብበት የሚገባ ነገር አለ።
|
ስለዚ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን፡ ዚምሽኣና ወይ እንፈትዎ ኽዳን ጥራይ ንኽደን ማለት ኣይኰነን።
|
ከቤት ወደ ቤት ስናገለግል ብዙ ጊዜ ሰዎችን ቤታቸው አናገኛቸውም።
|
ኣብ በቤት እናኸድና ኽንሰብኽ ከለና፡ ብዙሕ ሳዕ ንሰባት ኣብ ቤቶም ኣይንረኽቦምን ኢና።
|
ዳዊት ከቤርሳቤህ ጋር ምንዝር ከፈጸመ በኋላ ይሖዋን ንጹሕ ልብ ፍጠርልኝ፤ በውስጤም ጽኑ የሆነ አዲስ መንፈስ አኑር በማለት ተማጽኖታል።
|
ከመይሲ፡ ምስ ባትሴባ ዝሙት ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ንየሆዋ፡ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፣ ጽኑዕ ዝዀነ ሓድሽ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ኣንብር ብምባል ለመኖ።
|
ለሰዎች ፍቅር ስናሳይ የአምላክን ክብር እናንጸባርቃለን።
|
ንኻልኦት ሰባት ምስ እነፍቅሮም፡ ክብሪ ኣምላኽ ኢና እነንጸባርቕ።
|
በዚህ መንገድ ኢየሱስ የአምላክን ሉዓላዊነት ደግፏል።
|
በዚ ኸምዚ ድማ ንልዑላውነት ኣምላኽ ደገፈ።
|
በአንደበታችንም ሆነ በሚሊዮኖች የሚቆጠሩ መጽሐፍ ቅዱሳዊ ጽሑፎች በማበርከት ለሰዎች ምሥራቹን እናሰራጫለን።
|
ነቲ መልእኽቲ ኸኣ ብቓልን በቲ ብሚልዮናት ዚቝጸር ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ኣቢልና ንዝርግሖ ኢና።
|
እያንዳንዱ ግለሰብ ፈተና ውስጥ መግባት አለመግባቱ በራሱ ላይ የተመካ ነው።
|
ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ብፈተና ናይ ምውዳቕ ወይ ከኣ ካብቲ ፈተና ናይ ምርሓቕ ምርጫ ኣለዎ።
|
ከሁሉ በላይ ደግሞ በመጽሐፍ ቅዱስ ላይ የተመሠረቱ ጽሑፎችን ስታነብ አልፎ አልፎ ቆም እያልክ ማሰላሰልህ ትምህርቱ ወደ ልብህ ዘልቆ እንዲገባና ለተማርከው መልካም ነገር ይሖዋን በጸሎት እንድታመሰግን አጋጣሚ ይሰጥሃል።
|
ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ከተንብብ ከለኻ ደው እናበልካ ተስተንትን እንተ ዄንካ፡ ነቲ እተንብቦ ነገር ከተስተውዕሎን ስለቲ እትመሃሮ ዘለኻ ነገራት ንየሆዋ ብጸሎት ከተመስግኖን ኣጋጣሚ ይህበካ እዩ።
|
የሚያሳዝን ቢሆንም የትኛውም ክርስቲያን በኃጢአተኛ ሥጋው ምኞት መመራት ሊጀምር ይችላል።
|
እወ፡ ዝዀነ ይኹን ክርስትያን ብሓጥእ ስጋኡ ምምልላስ ኪጅምር ይኽእል እዩ።
|
ጳውሎስ ይህን የተናገረው እነማንን በአእምሮው ይዞ እንደሆነ እርግጠኛ መሆን ባንችልም አምላክን በመታዘዛቸውና የእሱን ፈቃድ በመፈጸማቸው በድንጋይ ተወግረው ስለሞቱት ስለ ናቡቴ እና ስለ ዘካርያስ መናገሩ ሊሆን ይችላል።
|
ጳውሎስ ብዛዕባ መን ይዛረብ ከም ዘሎ ርግጸኛታት ክንከውን ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ከም ናቦትን ዘካርያስን ዝኣመሰሉ ገሊኦም እሙናት ሰባት ንኣምላኽ ብምእዛዞምን ፍቓዱ ብምግባሮምን ብዳርባ እምኒ ተቐቲሎም እዮም።
|
በርካታ ወንድሞቻችን በመሬት መንቀጥቀጥ፣ በጎርፍ መጥለቅለቅ፣ በኃይለኛ አውሎ ነፋስ፣ በሱናሚ ወይም በሌሎች የተፈጥሮ አደጋዎች የተነሳ ጉዳት ደርሶባቸዋል።
|
ብዙሓት ኣሕዋትና ብምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ብምዕልቕላቕ ማይ፡ ብህቦብላ ንፋስ፡ ብሱናሚ፡ ወይ ብኻልእ ባህርያዊ ሓደጋታት ሕሰም ረኺቦም እዮም።
|
የይሖዋን ሕግ መጽሐፍ የሚያስተምሩ ሰዎችን ወደ ይሁዳ ከተሞች ልኳል።
|
መጽሓፍ ሕጊ የሆዋ ተጠቒሙ ኸኣ ብወፈራ ንህዝቡ ምሂሩ እዩ።
|
አንዳንዶች በአምላክ ማመን ያቆሙት በሃይማኖት ውስጥ የሚፈጸመው ነገር ቅር ስላሰኛቸው ነው።
|
ገሊኦም ከኣ ብሃይማኖት ተስፋ ስለ ዝቘረጹ፡ ኣብ ኣምላኽ ምእማን ሓዲጎምዎ እዮም።
|
ይሖዋ ከዚያ በኋላ ሕይወት ያላቸውንና የሌላቸውን ነገሮች በሙሉ ሲፈጥር ልጁ አብሮት እንዲሠራ አድርጓል።
|
የሆዋ ንወዱ፡ ኣብ ኵሉ ኻልእ ዕዮታት ፍጥረት ምስኡ ኺሳተፍ ፈቒዱሉ እዩ።
|
ዮናታን እንዲህ ያለ ተፈታታኝ ሁኔታ አጋጥሞት ሊሆን ይችላል።
|
ዮናታን ከምኡ ዓይነት ፈተና እዩ ኣጋጢምዎ።
|
ይሖዋ በታማኝና ልባም ባሪያ አማካኝነት የተትረፈረፈ መንፈሳዊ ምግብ ይሰጠናል።
|
የሆዋ ብእሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኣቢሉ ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ ብምሃብ እውን ባሪኹና እዩ።
|
አምላክ ሳኦልን ንጉሥ እንዲሆን የቀባው ቢሆንም ከጊዜ በኋላ ሳኦል ታዛዥ ሳይሆን በመቅረቱ ይሖዋ ተወው።
|
ኣምላኽ ንሳኦል ንጉስ ኪኸውን እኳ እንተ ቐብኦ፡ ሳኦል ግና ጸኒሑ ዘይእዙዝ ኰነ፡ የሆዋ ድማ ነዓቖ።
|
እንዲህ ካደረግን የይሖዋ ምሥክሮች መሆናችንን ለመናገር አንሸማቀቅም።
|
ከምኡ ምስ እንገብር፡ ከይተሰከፍና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝዀንና ገሊጽና ኽንላለ ንኽእል ኢና።
|
ሙሴ፣ ይሖዋ ለእስራኤላውያን ቃል ስለገባው ነገር በጥልቅ ባሰላሰለ መጠን በአምላክ ላይ ያለው እምነትና ለእሱ ያለው ፍቅር እያደገ ሄዷል።
|
ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዘተስፈዎም ተስፋ ኸስተንትን ከሎ፡ ንየሆዋ ዘላቶ ፍቕሪ ትዓቢ፡ እምነቱ ድማ ትድልድል ነበረት።
|
የመጽሐፍ ቅዱስ ትንቢት እንደሚያሳየው በ1914 ክርስቶስ በሥልጣኑ ሲገኝ የአምላክ መንግሥት በሰማይ መግዛት ጀምሯል።
|
እቲ የሱስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ብ1914 ምስ ጀመረ፡ እታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ከም እተመስረተት ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ።
|
ብዙዎች ሰይጣን አለ ብሎ ማመን ቂልነት እንደሆነ ይሰማቸዋል።
|
ብዙሓት ሰባት፡ ሰይጣን ከም ዘሎ ምእማን ዕሽነት ኰይኑ ይስምዖም እዩ።
|
በጉባኤ፣ በወረዳና በክልል ስብሰባዎች ላይ ንግግር ሲሰጥ ማስታወሻ ትይዛለህ?
|
ህዝባዊ መደረ ኪቐርብ ከሎን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትን መዘኻኸሪ ትጽሕፍ ዲኻ፧
|
ይሁንና አብዛኞቹ ክርስቲያን ባለትዳሮች የአምላክን መመሪያ ስለሚከተሉ፣ ለእነዚህ ችግሮች ሁለቱንም ወገኖች የሚያስማሙ መፍትሔዎችን ማግኘት ችለዋል፤ ይህም የሚያስመሰግናቸው ነው።
|
ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኦም ክርስትያን ሰብ ሓዳር ብኣምላኽ ኪምርሑ ፍቓደኛታት ብምዃኖም፡ ንዅሉ እዚ ጸገማት እዚ ኸኣ ክልቲኦም ዚቕበልዎ ፍታሕ ይገብሩሉ ብምህላዎም ኪንኣዱ ይግብኦም።
|
ኢየሱስ ከይሖዋ ጋር በቢሊዮን ለሚቆጠሩ ዓመታት አብሮ ሳይሠራ አይቀርም፤ በመሆኑም አንዳቸው ለሌላው በጣም ጥልቅ ፍቅር አዳብረዋል፤ እንዲሁም ፈጽሞ ሊበጠስ የማይችል ጠንካራ ወዳጅነት መሥርተዋል።
|
የሱስ ምስ የሆዋ ምናልባት ንቢልዮናት ዓመታት እዩ ዓይዩ፣ ኣብ መንጎ ሓድሕዶም ከኣ ድልድልትን ዘይትብተኽን ፍቕሪ እያ ማዕቢላ።
|
ከዚህ በተቃራኒ በእኛ የሚተማመን ከመሆኑም ሌላ ሊረዳን ይፈልጋል።
|
ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ብኣና ይተኣማመንን ኪሕግዘና ይደልን እዩ።
|
በአካባቢዋ ከዘር ጋር የተያያዘ ግጭት ሲቀሰቀስ ግን ቀደም ሲል ለሰርቦች የነበራት ጥላቻ ማገርሸት ጀመረ፤ በመሆኑም ለሰርቦች መስበክ ከበዳት።
|
ይኹን እምበር፡ ኣብቲ እትነብረሉ ኸባቢ ዓሌታዊ ዓመጻ ምስ ተላዕለ፡ እቲ ቐደም ዝነበራ ጽልኢ ኪቕልቀል ጀመረ፣ ንተቐማጦ ሰርብያ ምስባኽ ድማ ኣዝዩ ኸበዳ።
|
ይህ ሲባል ግን እንደ ይሖዋ ገደብ የለሽ ነፃነት አለን ማለት አይደለም።
|
ከምቲ ንየሆዋ ዘለዎ ዓይነት ምሉእ ናጽነት የብልናን።
|
የማመዛዘን ችሎታ ያለው ማንኛውም ሰው በክፉ መናፍስት እንደማያምን ይናገራሉ።
|
ኣስተውዓሊ ሰብ ኣብ እኩያት መናፍስቲ ዘይኣምን ኰይኑ እዩ ዚስምዖም።
|
ፈርዖን እንደሚገድለው ቢዝትበትም እንኳ እምነቱ፣ ለአምላክ ያለው ፍቅርና ምናልባትም ወደፊት የሚጠብቀውን ግሩም ሕይወት በአእምሮው መሳሉ ፈርዖንን በድፍረት ለመጋፈጥ አጠናክሮታል።
|
ፈርኦን ኪቐትሎ ምስ ኣፈራርሆ እውን ከይተረፈ፡ ነቲ ምፍርራህ ብትብዓት ኪገጥሞ ዝኸኣለ፡ እምነትን ፍቕሪ ኣምላኽን ስለ ዝነበሮ፡ ምናልባት እውን ኣብ ኣእምሮኡ ብሩህ ተስፋታት ይስእል ስለ ዝነበረን እዩ።
|
የቤተሰብህ አባላት እንዲህ ያለ ጸሎት ስታቀርብ መስማታቸው በይሖዋ እንደምትታመን እንዲገነዘቡ ያደርጋቸዋል።
|
እኳ ደኣስ፡ ብየሆዋ ኸም እትእመን ኪርድኡ እዮም።
|
ታዲያ የይሖዋ ፍቅርና ምሕረት ምን እንድናደርግ ሊያነሳሳን ይገባል?
|
ንዓናኸ ፍቕርን ምሕረትን የሆዋ እንታይ ክንገብር እዩ ኺድርኸና ዘለዎ፧
|
በአሁኑ ወቅት ከሕመማችን ተአምራዊ በሆነ መንገድ እንደምንድን አንጠብቅም።
|
ሕጂ ብተኣምራዊ መገዲ ኽንሓዊ ትጽቢት ክንገብር የብልናን።
|
አንዳንድ ወንድሞች ደግሞ ተቃውሞና ስደት እያጋጠማቸው ነው።
|
ገሊኦም ኣሕዋትና ብሰንኪ ተቓውሞን መስጐጕትን መከራ ይወርዶም ኣሎ።
|
ይህ ደግሞ ራስህን በጥሞና መመርመር ይጠይቅብህ ይሆናል።
|
እዚ ድማ ንርእስኻ ኽትምርምር የድልየካ ማለት እዩ።
|
በመሆኑም ከአለባበስና ከአጋጌጥ ጋር በተያያዘ የምናደርገው ምርጫ ሉዓላዊውን ጌታ ይሖዋን የሚያስደስተውን ነገር ግምት ውስጥ ያስገባ መሆን ይኖርበታል።
|
ስለዚ፡ ኣብ ኣከዳድናናን ኣመለኻኽዓናን ነቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ እንታይ ባህ ከም ዜብሎ ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና።
|
አምላክ፣ በዚህ ጥቅስ ላይ ከተገለጸው ዝግጅትና ከተጠቀሱት ግለሰቦች ጋር የተያያዙ እውነታዎችን ቀስ በቀስ እንዴት እንደገለጠ የሚጠቁሙ እንዲሁም ትንቢቱ እንዴት እንደሚፈጸም የሚያሳዩ ቁልፍ ጥቅሶችን በቅደም ተከተል ማስፈር ትችላላችሁ።
|
ኣምላኽ ከመይ ገይሩ በብግዜኡ ብዛዕባ እዚ ንሰባት ከም ዝገለጸሎምን እቲ ትንቢት መዓስ ከም እተፈጸመን ዚሕብር ቀንዲ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብኡ ዘርዝር።
|
ሌሎችም የራሳቸውን ውሳኔ የማድረግ ነፃነት እንዳላቸው አምነን መቀበል አለብን።
|
ሓደ ኻብቲ ኣብ ናጽነትና ዘሎና ደረት፡ ካልኦት ኣብ ህይወቶም ናይ ባዕሎም ውሳነታት ኪገብሩ መሰል ዘለዎም ምዃኑ እዩ።
|
በጉባኤው ውስጥ ወደፊት ሊያከናውን ስለሚችለው ነገር እያሰበ ያለን አንድ ወንድም ወደ አእምሯችን እናምጣ።
|
ሓደ ሓው ኣብ ጉባኤኡ ብኸመይ ኪሕግዝ ከም ዚኽእል ኪሓስብ ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ።
|
ለምሳሌ ያህል፣ የምንኖረው በመጨረሻዎቹ ቀኖች ውስጥ መሆኑን የሚያሳየውን ቅዱስ ጽሑፋዊ ማስረጃ በዝርዝር በማጥናት የዚህ ሥርዓት መደምደሚያ በእርግጥ እንደቀረበ ያለህን እምነት ማጠናከር ትችላለህ።
|
ንኣብነት፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ንነብር ከም ዘለና ብዝያዳ ምእንቲ ኽትተኣማመን፡ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘለና ዚሕብር ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ብዝርዝር ከተጽንዕ ትኽእል ኢኻ።
|
ለመመሥከር የሚያስችል አጋጣሚ ካገኘንም ነፃነት ተሰምቶን እንመሠክራለን።
|
እወ፡ ኣጋጣሚ ኪኽፈተልና ኸሎ፡ ንምምስካር ኣይክንሽቝረርን ኢና።
|
በተመሳሳይም ይሖዋ ለጸሎታችን መልስ ከመስጠቱ በፊት የተወሰነ ጊዜ እንዲያልፍ የሚያደርገው ለእኛ ጥቅም ሲል ሊሆን ይችላል።
|
ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ንዓና ዚሕሸና ስለ ዚፈልጥ፡ ንጸሎትና ቕድሚ ምምላሱ እተወሰነ ግዜ ንኺሓልፍ ኪፈቅድ ይኽእል እዩ።
|
ማግባት የሚፈልጉ ክርስቲያኖች ጓደኝነትን በተመለከተ ይበልጥ ጥንቃቄ ማድረግ አለባቸው።
|
ብፍላይ እቶም ኪምርዓዉ ዚደልዩ ንጽል ክርስትያናት፡ ብዛዕባ እቲ ዚምስርትዎ ዕርክነት ኪጥንቀቑ ኣገዳሲ እዩ።
|
አብርሃምና ሣራ፣ ይስሐቅና ርብቃ እንዲሁም ሕልቃናና ሐና ለትዳር ጓደኛቸው ያላቸውን ፍቅር ገልጸዋል።
|
ኣብርሃምን ሳራን፡ ይስሃቅን ርብቃን፡ ኤልቃናን ሃናን ነንመጻምድቶም ፍቕሮም ገሊጾም እዮም።
|
ተጨማሪ እውቀት ማግኘት ቢፈልግም በአደባባይ ከኢየሱስ ጋር ሲነጋገር ቢታይ ሰዎች ምን እንደሚሉት በማሰብ ፈርቶ ነበር።
|
ዝያዳ ኺፈልጥ እኳ እንተ ደለየ፡ ምስ የሱስ ብግህዶ ኺዛረብ ከሎ ኸይርአ ፈርሀ።
|
አብዛኛውን ጊዜ ያገቡ ክርስቲያኖች ብዙ የቤተሰብ ኃላፊነት ይኖርባቸዋል።
|
መብዛሕትኡ እዋን፡ እተመርዓዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ብዙሕ ሓላፍነታት ስድራ ቤት ኣለዎም።
|
የይሖዋ መመሪያዎች ግን አልተለወጡም፤ እሱ አሁንም አንድ ይሖዋ ነው።
|
ግናኸ፡ የሆዋ ኻባና ዚደልዮ ብቕዓት ሕጂ እውን ኣይተቐየረን፣ እወ፡ ሎሚ እውን ሓደ የሆዋ እዩ።
|
በአስተዳደጋቸው ወይም በማኅበረሰቡ ውስጥ ባላቸው ቦታ የተነሳ ሌላ ዘር ወይም ዜግነት ካላቸው ሰዎች እንደሚያንሱ ሊሰማቸው ይችላል።
|
ብሰንኪ ኣተዓባብያኦም ወይ ማሕበራዊ ደረጃኦም፡ ካብቶም ካልኦት ዓሌት ወይ ህዝቢ እተፈልዩ ዀይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ።
|
አንድ ሰው ትዳሩ አስደሳች እንደሚሆን ተስፋ አድርጎ ይህ እውን ሳይሆን ሲቀር እርካታ ሊያጣ፣ እንደተታለለ ሊሰማው አልፎ ተርፎም በምሬት ሊዋጥ ይችላል።
|
ሓደ ሰብ ብዛዕባ ዜሐጕስ ሓዳር ዝነበሮ ትምኒት ከም ዝሓሰቦ ኸይኰነ ምስ ረኸቦ፡ ዕግበት ኪስእንን እተታለለ ዀይኑ ኺስምዖን ኪማረርን ይኽእል እዩ።
|
በሮም የሚገኙ ክርስቲያኖች ቀድሞውኑ የተቀበሉትን ነገር ማረጋገጥ ያስፈለጋቸው ለምንድን ነው?
|
ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ ድሮ እተቐበልዎ ነገራት ስለምንታይ እዮም መርሚሮም ኪፈልጥዎ ዜድልዮም ዝነበረ፧
|
ሚሪዬታ እንዲህ ብላለች፦ ከሁሉ በላይ የረዳኝ በአገልግሎቱ ላይ ትኩረት ማድረጌ ነው።
|
ሚርየታ ኸምዚ በለት፦ ኣቓልቦይ ኣብ ኣገልግሎት ምግባረይ ኣዝዩ ሓጊዙኒ እዩ።
|
በመስክ አገልግሎት ስንካፈል ሌሎች እምነት እንዲያዳብሩ ከመርዳታችን በተጨማሪ የራሳችንም እምነት እያደገ ይሄዳል።
|
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽንሳተፍ ከለና፡ እምነት ካልኦት ጥራይ ኣይኰንናን እንሃንጽ፣ የግዳስ፡ እምነትና እውን ትዓቢ እያ።
|
የዓለም መንፈስ፣ ወደማንፈልገው አቅጣጫ ሊወስደን ከሚታገል ወንዝ ጋር ሊመሳሰል ይችላል።
|
መንፈስ ዓለም ምስ ሓደ ናብ ዘይደለናዮ ኣንፈት ዚደፍኣና ውሕጅ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ።
|
በእርግጥም አብርሃም በእምነታቸው የተነሳ እንደ ጻድቃን ለተቆጠሩት ሁሉ አባት ተብሎ መጠራቱ ምንም አያስደንቅም!
|
እምበኣር፡ ኣብርሃም ንዅሎም እቶም ዚኣምኑ ኣቦኦም እንተ ተባህለ ዚውሕዶ ኣይኰነን።
|
ይሖዋ የነነዌ ሰዎች ንስሐ እንደገቡና እንደተለወጡ ሲያይ ውሳኔውን ቀይሯል።
|
የሆዋ፡ ሰብ ነነዌ ኸም እተነስሑን ኣተሓሳስባኦም ከም ዝቐየሩን ምስ ረኣየ፡ ውሳነኡ ኣተዓራርዩ እዩ።
|
በጥንታዊ የቅዱሳን መጻሕፍት ቅጂዎች ላይ የተደረጉት ጥናቶች፣ ዛሬ ያለው መጽሐፍ ቅዱስ ይሖዋ በመንፈሱ መሪነት መጀመሪያ ያሰፈረውን ሐሳብ የያዘ መሆኑን ቅን ልብ ያላቸው የመጽሐፍ ቅዱስ ተማሪዎች እንዲያምኑ አድርገዋቸዋል።
|
ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት ዝገበርዎ መጽናዕቲ፡ እቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ከምቲ የሆዋ ኣብ ፈለማ ብድራኸ መንፈሱ ዘጽሓፎ ምዃኑ ምትእምማን ኣሕዲሩሎም እዩ።
|
ክርስቲያኖች እንዲህ ዓይነት ታማኝነት ለማሳየት በዚህ ዓለም ላይ በሚፈጠር በየትኛውም ግጭት ወይም ውዝግብ ውስጥ ከመግባት መቆጠብ አለባቸው።
|
ክርስትያናት ከምዚ ዓይነት ተኣማንነት ኬርእዩ እንተ ዀይኖም፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ግጭትን ፖለቲካዊ ጕዳያትን እዛ ዓለም እዚኣ ኺርሕቁ ኣለዎም።
|
ሽልማታችንን የምናገኘው ከይሖዋ ዘንድ እንደሆነ በማሰብ ይህን ማድረግ እንችላለን።
|
የሆዋ ኸኣ ዚግብኣና ዓስቢ ኺህበና እዩ።
|
ለትዳር ጓደኛህ፣ ለቅርብ ወዳጅህ አሊያም ለጉባኤህ ሽማግሌ ስሜትህን መናገርህ ስላለህበት ሁኔታ ሚዛናዊ አመለካከት እንዲኖርህ ሊረዳህ ይችላል።
|
ብዛዕባ እቲ ዜጨንቐካ ነገራት ሚዛናዊ ዝዀነ ኣረኣእያ ምእንቲ ኺህልወካ ኻብ መጻምድትኻ፡ ካብ ናይ ቀረባ ዓርክኻ፡ ወይ ካብ ሓደ ሽማግለ ጉባኤ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
|
የዓመት መጽሐፍ በምታነብበት ጊዜ ቆም ብለህ ማሰብህ እንዲሁም ባነበብካቸው ተሞክሮዎች ላይ ማሰላሰልህና ልብህ እንዲነካ ማድረግህ ጠቃሚ ነው።
|
መጽሓፍ ዓመት ከተንብብ ከለኻ እቲ ዘንበብካዮ ተመክሮታት ንልብኻ ምእንቲ ኺትንክፎ ሓንሳእ ደው እናበልካ ምስትንታን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።
|
ይሖዋ፣ ታማኝ አገልጋዮቹ አንዳንድ መብቶችን እስኪያገኙ አሊያም ደግሞ ያሉበት ሁኔታ እስኪስተካከልላቸው ድረስ የተወሰነ ጊዜ እንዲያልፍ ሊፈቅድ ቢችልም ምንጊዜም እነሱን ከመደገፍ ወደኋላ አይልም።
|
የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ ወትሩ ይድግፎም እኳ እንተ ዀነ፡ ፍሉይ መሰላት ክሳዕ ዚረኽቡ ወይ ከኣ ዚምሽእ ኵነታት ክሳዕ ዚርከብ ኪጽበዩ ይሓድጎም እዩ።
|
ታዲያ ከሰይጣን ጋር በምናደርገው ውጊያ ማሸነፍ እንችላለን?
|
እሞኸ ኣብቲ ምስ ሰይጣን እንገብሮ ቓልሲ ኽንዕወት ንኽእል ዲና፧
|
ሐዋርያው ጴጥሮስ፣ አይሁዳዊ ላልሆኑ ሰዎች መሠረተ ቢስ ጥላቻ ነበረው፤ ውሎ አድሮ ግን እንዲህ ያለውን አሉታዊ አመለካከት ማስወገድ ችሏል።
|
ሃዋርያ ጴጥሮስ ንእተወሰነ ግዜ ኣይሁድ ብዛዕባ ዘይኰኑ ሰባት ኣሉታዊ ኣረኣእያ ነይርዎ እዩ፣ ነዚ ግና በብቝሩብ ካብ ልቡ ደምሲስዎ እዩ።
|
አራቱም ልጆቿ 14 ዓመት ሳይሞላቸው የተጠመቁላት ቤረኒሲ እንዲህ ብላለች፦ የተደበላለቀ ስሜት ተሰምቶን ነበር።
|
ደቂ 14 ቕድሚ ምዃኖም እተጠምቁ ኣርባዕተ ውሉዳት ዘዕበየት በርኒስ፡ ሽዑ፡ ስምዒትና ኣጸቢቑ እተተንከየሉ እዋን እዩ ነይሩ።
|
በእርግጥም መጽሐፍ ቅዱስ አስቀድሞ እንደተናገረው በመጨረሻዎቹ ቀናት ውስጥ የሚኖሩ ሰዎች የማያመሰግኑ ሆነዋል።
|
እወ፡ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተነበዮ፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ሰባት ዘየመስግኑ እዮም ኰይኖም ዘለዉ።
|
የሰዎች ግድየለሽነት ተስፋ እንዲያስቆርጣችሁ ወይም ነቅታችሁ ከመጠበቅ እንዲያዘናጋችሁ አትፍቀዱ።
|
ካልኦት ተገዳስነት ዘይብሎም ምዃኖም ተስፋ ኬቝርጸካ ወይ ንንቕሓትካ ኼዳኽሞ ኣይትፍቀድ።
|
ታዲያ ይሖዋ ስላደረገው የጥምቀት ዝግጅት ተገቢ አመለካከት እንዲኖርህ ምን ይረዳሃል?
|
ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝሰርዖ ጥምቀት ቅኑዕ ኣረኣእያ ምእንቲ ኺህልወካ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
|
በእርግጥም እኛ ስህተት ስንሠራ በሰማይ ያለው አባታችን ይቅር እንደሚለን ሁሉ እኛም ሌሎች ስህተት በሚሠሩበት ጊዜ ይቅር ባዮች ልንሆን ይገባል።
|
ስለዚ፡ ከምቲ ኣቦና የሆዋ ኽንጋገ ኸለና ዚምሕረና፡ ንሕና እውን ኣብነቱ ብምስዓብ ካልኦት ኪጋገዩ ኸለዉ ንምሓሮም።
|
ኢየሱስ ሲሰድቡት መልሶ አልተሳደበም።
|
ንየሱስ ድማ ንመስሎ ኢና፣ ንሱ፡ ምስ ተጸርፈ፡ መሊሱ ኣይጸረፈን።
|
መጽሐፍ ቅዱስ እንዲህ በማለት ይመክረናል፦ እንደ አስፈላጊነቱ ሌሎችን የሚያንጽና ሰሚዎቹን ሊጠቅም የሚችል መልካም ቃል ብቻ እንጂ የበሰበሰ ቃል ከቶ ከአፋችሁ አይውጣ።
|
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሰማዕቱ ምእንቲ ኺጠቅምሲ፡ ንምህናጽ ዜድሊ ዘበለ ጽቡቕ ቃል እምበር፡ ሕማቕ ቃልሲ ኻብ ኣፍኩም ኣይውጻእ ኢሉ ይምዕደና።
|
ብዙ አስፋፊዎች ይህን የአገልግሎት ዘዴ ውጤታማና አስደሳች ሆኖ አግኝተውታል።
|
ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ዕዮ እዚ ብምክፋሎም ብዙሕ ውጽኢትን ዓስብን ረኺቦም እዮም።
|
ይህን የሚጠቁሙ አንዳንድ ምልክቶችን እስቲ እንመልከት።
|
ገለ ኻብቲ ሒደት ናይ መጠንቀቕታ ምልክታት እስከ ንመርምር።
|
በመሆኑም በዓለም ላይ ያለው መዝናኛና አለባበስ እንዲሁም ዓለማዊ ጓደኞች ልባችንን እየማረኩት መሆን አለመሆኑን ለማረጋገጥ አዘውትረን ራሳችንን መመርመር ይኖርብናል።
|
እዚ ኺብሃል ከሎ፡ ልብና ብዓለማዊ መዘናግዒታት፡ ብምሕዝነት፡ ብቕዲ ኽዳውንትን ኣመለኻኽዓን ምእንቲ ኸይሰድዕ፡ ወትሩ ኽንምርምሮ ኼድልየና እዩ።
|
እንዲህ ብሏል፦ አባት ሆይ፣ ፈቃድህ ከሆነ ይህን ጽዋ ከእኔ አርቅ።
|
ሽዑ፡ ኣቦ፡ እንተ ፈቲኻስ፡ ነዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣልግሳ።
|
ጴጥሮስና ሌሎች ደቀ መዛሙርት የወደፊቱን ጊዜ በአእምሯቸው እንዲስሉ ለመርዳት ኢየሱስ በዛሬው የዕለት ጥቅስ ላይ ያለውን ሐሳብ ነገራቸው።
|
የሱስ ነተን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ቓላት እተዛረበን ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርትን ብዛዕባ ዚመጽእ ኣብ ኣእምሮኦም ንኺስእሉ ምእንቲ ኺሕግዞም ኢሉ እዩ።
|
በዚህ መንገድ እርስ በርስ መበረታታታችሁ በመንፈሳዊ የሚያጠነክርህ ከመሆኑም በላይ ያለብህን ማንኛውንም ጭንቀት መቋቋም ቀላል እንዲሆንልህ ያደርጋል።
|
እቲ ኣብኡ እትረኽቦ ምትብባዕ፡ መንፈሳዊ ስንቅኻ ኽትመልእን ንጭንቀትካ ኽትዋጽኣሉን ይሕግዘካ እዩ።
|
ከመጀመሪያ የሰማችሁት መልእክት እርስ በርሳችን መዋደድ አለብን የሚል ነውና።
|
ንሓድሕድና ኽንፋቐር፡ እዚኣ እታ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዋ መልእኽቲ እያ ኢሉ ጽሒፉ እዩ።
|
ለአምላክም ሆነ ከጊዜ በኋላ የእስራኤል ንጉሥ ለሚሆነው ለዳዊት ያለውን ታማኝነት አላጓደለም።
|
ካብቲ ንኣምላኽን ነቲ ጸኒሑ ንጉስ እስራኤል ዚኸውን ዳዊትን ዝነበሮ ተኣማንነት ምንቕ ኣይበለን።
|
ልክ እንደ ኢዮሳፍጥ ሁሉ እኛም አንዳንድ ጊዜ፣ ችግር ሲያጋጥመን ምን ማድረግ እንዳለብን ግራ እንጋባ ምናልባትም በፍርሃት እንዋጥ ይሆናል።
|
ንሕና እውን ሓድሓደ ግዜ ኸም ዮሳፋጥ እንታይ ከም እንገብር ኪጠፍኣናን ክንፈርህን ንኽእል ኢና።
|
የኢየሱስን ምሳሌ በመከተል መጽሐፍ ቅዱስን በየቀኑ ማንበብ፣ ማጥናትና ባወቅነው ነገር ላይ ማሰላሰል ይኖርብናል።
|
ንሕና እውን ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ኸነንብቦን ከነጽንዖን ብዛዕባ እቲ እተመሃርናዮ ኸነስተንትንን ኣሎና።
|
የሐሰት ሃይማኖት ድርጅቶችን እየደገፉ የአምላክን ሞገስ ማግኘት እንደማይችሉ ተገንዝበዋል።
|
ንናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ ውድባት ክሳዕ ዝደገፉ፡ በረኸት ኣምላኽ ከም ዘይረኽቡ ተገንዘቡ።
|
ይሁንና እንዲህ ያለው ተገቢ ያልሆነ ስሜት በራሱ እንደሚጠፋ በማሰብ እጇን አጣጥፋ አልተቀመጠችም።
|
እቲ ኣሉታዊ ስምዒታ ባዕሉ ኽሳዕ ዚጠፍእ ኢዳን እግራን ኣጣሚራ ኽትጽበ ኸም ዘይብላ ግና ተገንዘበት።
|
ባለንበት ሁኔታ የተነሳ፣ የመንግሥቱን ሥራ ለመደገፍ ማከናወን የምንችለው ነገርና የምናደርገው መዋጮ ውስን ሊሆን ይችላል፤ ያም ቢሆን ይሖዋና ኢየሱስ ሁላችንም በዚህ ረገድ የምናደርገውን ጥረት በጣም ያደንቃሉ።
|
ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድጋፍ እንገብሮ ጻዕርን ኣበርክቶን ድሩት እንተ ዀነ እውን፡ የሆዋን የሱስን ነቲ እንገብሮ ጻዕሪ ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ።
|
ሐዋርያው ጴጥሮስ ለክርስቲያኖች ሲጽፍ እንዲህ ብሏል፦ ይህን በመሰለው ያዘቀጠ ወራዳ ሕይወት ከእነሱ ጋር መሮጣችሁን ስለማትቀጥሉ ግራ ይጋባሉ፤ በመሆኑም ይሰድቧችኋል።
|
ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ናብቲ ዕያግ ዝርጋን ምሳታቶም ስለ ዘይጐየኹም ይግረሙ፡ ንዓኻትኩም ንክርስትያናት ከኣ ይጸርፉኹም ኣለዉ ኢሉ ጸሓፈ።
|
መጀመሪያ፣ የጉባኤ አገልጋይ ለመሆን የሚያስፈልጉትን ብቃቶች ለማሟላት ይጥራል።
|
ፈለማ፡ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኪኸውን ይጽዕር።
|
በድግሱ ላይ ከተጠበቀው በላይ ብዙ እንግዶች መጥተው ሊሆን ይችላል።
|
ቍጽሪ እቶም ናብቲ መርዓ ዝመጹ ኣጋይሽ ካብቲ ትጽቢት እተገብረሉ ንላዕሊ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
|
ኤልሳዕም ግብዣውን ወዲያውኑ በመቀበል ዝቅ ተደርገው የሚታዩ ሥራዎችን በማከናወን በዕድሜ የገፋውን ነቢይ በታማኝነት ማገልገል ጀመረ።
|
ኤልሳእ ውዓል ሕደር ከይበለ፡ ነቲ ዕድመ ተቐበሎ፣ ትሑት ዕዮ ብምዕያይ ከኣ ነቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ኤልያስ ብተኣማንነት ኣገልገሎ።
|
እንደ ሚካያህ እና ኤርምያስ ያሉት ነቢያት መዘባበቻ በመሆንና ወህኒ ቤት በመጣል ፈተና ቢደርስባቸውም እምነት ስለነበራቸው ተቋቁመውታል።
|
ከም ሚክያስን ኤርምያስን ዝኣመሰሉ ነብያት ብምኽንያት እምነቶም፡ ብላግጽን ብማእሰርትን ተፈቲኖም እዮም።
|
ይሖዋ በድርጅቱ ምድራዊ ክፍል ውስጥ የሚገኙ አገልጋዮቹን በታማኝና ልባም ባሪያ አማካኝነት ይመራቸዋል እንዲሁም ይመግባቸዋል፤ ይህን ባሪያ የሚመራው ደግሞ የጉባኤው ራስ ክርስቶስ ነው።
|
የሆዋ ኣብታ ምድራዊ ኽፋል ውድቡ ንዘለዉ ህዝቡ በቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ርእሲ ጉባኤ ዝዀነ ክርስቶስ ዘሎ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ገይሩ ይመርሖምን ይምግቦምን እዩ።
|
Subsets and Splits
No community queries yet
The top public SQL queries from the community will appear here once available.